ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጎም ካብ ቤልጁም ናብ ብሪጣንያን ዝኣተዉ 10 ኤርትራውያን ናብ ሕክምና ተወሲዶም

Radio Erena: 05 March 2020

ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጎም፣ ካብ ወደብ ዘብሩግ ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ 10 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንመርመራ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ጸብጻብ ፖሊስ ብምጥቃስ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጸን።

እቶም ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተገልጹ 10 ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሰሉስ 3 መጋቢት’ዮም፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ወደብ ሁል፣ ኣብ ዝርከብ ኮንተይነር ዝራገፈሉን ዝጸዓነሉን ንጉስ ጆርጅ ዝተባህለ ቦታ፣ ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም’ዮም ተረኾቦም።

ክልተ ደቂንስትዮን ሓደ ወዲን ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ መረመራ ይካየደሎም ምህላዉ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ናብ ሞት ዘብጽሕ ስግኣት ከምዘይብሎም ኣገንዚቡ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ወደባት ፈረንሳን ቤልጁም፣ ኣብ ኮንተርነርን መዝሓሊ (ፍሪጅ) ዘለወንን ናይ ጽዕነት መካይን እናተሓብኡ ንዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ዝፍትሽ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ክተክል እኳ እንተኸኣለት፣ ስደተኛታት ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ሜላ ግና ካብ ዋላ’ኳ ሓደገኛ እንተኾነ ካብ ምስጋር ክዓግቶም ኣይከኣለን።

ርእይቶ

WORDPRESS: 0