ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣሰናኺሉ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣሰናኺሉ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 February 2016

Ambo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንመዓልታዊ ህይወት እቲ ህዝብን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣሰናኺሉ ከምዘሎ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንነብርቲ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምዝርራብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 80 ኪሎሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ጊንጪ፣ ብድሩዓት መካይን ዝተሰነየ ሰራዊት ኣብ ጎደናታት ተዋፊሩ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ተፍትሽን ምሕታት መንቀሳቀስን ይካየድ ምህላዉ’ውን ጠቒሱ።

ብፍላይ ብቴሌፎናት ዝሰኣል ዘሎ ተንቀሳቓስን ደረቕን ስእልታት ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ይዝርጋሕ ብምህላዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብጽኑዕ ንምቁጽጻሩ ይሰርሑ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

 

ካብ ጊንጪ 40 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ’ውን ብተቓውሞ ህዝቢ ተጸልየን ካብ ዘለዋ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ኮይና፣ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ተዓጽዩ ምህላዉ ንበርቲ እቲ ከባቢ ብምዝርራብ ኣሶሸተድ ፕረስ ብተወሳኺኣገንዚቡ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ተወሊዑ ዘሎ ናዕብን ዕግርግርን ንምህዳእ መንግስቲ ብድሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ሰራዊትን ከምዘዋፈረ ክግለጽ እኳ እንተቐነየ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ኦርርርሮሞ ግና ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናለሓመ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዝተወልዐ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ብተዛማዲ ሃዲኡ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ከኣ ደጊሙ ኣብ ኣርሲ ከምዝተጎሃሃረ ይፍለጥ።

እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣምኢት ከኣ ከምዝቖሰሉን፣ ብርክት ዝበለ ንብረት’ውን ከምዝዓነወን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0