ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ መንጎ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ተማሃሮን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ተማሃሮ ተኣሲሮም

ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ መንጎ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ተማሃሮን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ተማሃሮ ተኣሲሮም

Radio Erena: 07 December 2015

Or stu

ኣብ ክልል ኦሮምያ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ናዕብታት ፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ንሓያሎ ካብቶም ተማሃሮ ክእስሩ እንከለዉ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ከምዝቐተሉ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ።

እቶም ተማሃሮ፣ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ዝሓንጸጾ ናይ መሬት ውጥናት ብምቅዋም’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ናዕቢ ጀሚሮም።

 

እቲ ብተማሃሮ እቲ ክልል ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ናብ ዝበዝሓ ዩኒቨርስታትን ላዕለዎት ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን እቲ ክልል ከየስፋሕፍሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎም ፈደራል ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ዝርከብዎም ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ምህላዉ’ውን ይግለጽ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0