ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ዘካየደ ጀነራል፣ ኣብ ከባቢ ባህርዳር ከምዝተቐትለ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ዘካየደ ጀነራል፣ ኣብ ከባቢ ባህርዳር ከምዝተቐትለ ኣፈኛ መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ጀነራል ኣሳምነው ጽገ፣ ናይቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ሃንዳሲ ክኸውን እንከሎ፣ ቅትለት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እውን ምስኡ ከምዝተሓሓዝ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጀነራል ኣሳምነው ኣብ ከባቢ ባህርዳር ክቕተል እንከሎ፣ ብርክት ዝበሉ ተሓባበርቱ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። ንዝርዝር ኩነታት’ቲ ፍጻሜ ብዝምልከት ግና ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣቐድም ኣቢሉ ጀነራል ኣሳምነው፣ ዓሌት ዝመሰረቱ ሰራዊት ምልሻ የቕውም ከምዝነበረ ይግለጽ። ነዚ ደው ከብል ዝሰርሕ ዝነበረ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብገዛእ ሓላዊኡ ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ባህርዳር ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ እውን፣ ጀነራል ኣሳምነው፣ ናይ ውልቁ ናይ ብሄረ ኣምሓራ ሰራዊት ይምልምል ከምዘሎን ደው ንምባሉ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትን ኣብ ምዝርራብ እንከለው’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎም። ኣመሓዳሪ ኣምባቸው መኮነንን ኣማኻሪኡን፣ ከምኡ’ውን ኣኽባር ሕጊ እቲ ዞባ ዝርከቦም ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት እውን ዛጊት ቁጽሮም ዘይተገልጸ ቆሲሎም ከምዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ገሊጾም።

ጸጥታዊ ኩነታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተዛማዲ ተረጋጊኡ እኳ እንተሎ፣ኣገልግሎት ኢንተርነት ግና ተቛሪጹ’ዩ ዘሎ።

ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ግጭት ናብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፣ ሃገራዊ ምርጫ ንኽካየድ ሓደ ዓመት ጥራይ ተሪፉዎ ብምህላዉ፣ ነታ ሃገር ሓድሽ ቅልውላው ከይፈጥረላ ተሰጊኡ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0