ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝዕቖብሉ ሓድሽ መዓስከር ክስራሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝዕቖብሉ ሓድሽ መዓስከር ክስራሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 08 February 2015

Cal

ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዕቆቡሉ ሓድሽ መዓስከር ክስራሕ ምምዳር’ታ ከተማ ከምዝወሰነ፣ ካብ ብሪጣንያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ እቶም ዶብ ክሰግሩ ዘይከኣሉ ዝተኣኻኸቡሉ ከባቢ ንጥዕና ኣስጋኢ’ዩ ተባሂሉ ግዚያዊ መጽንሒ መዓስከር ከምዝተሰርሐ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ ሓድሽ ክስራሕ ዝበሃል ዘሎ ከኣ ንተመሳሳሊ ምኽንያት ከገልግል ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ኣመሓዳሪት ከተማ ካሌ ነዚ ምስራሕ ሓድሽ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዝገለጸትሉ፣ ካብ ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ተሪር ናይ ተቓውሞ ግብረ መልሲ ይወሃቦ’ሎ።

ኣባል ባይቶን ወሃብ ቃልን ዳቪድ ሃንሰን ንምስራሕ’ቲ መዕቆቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ክንዲ ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ኣብ ምጉዳል ዋሕዚ ስደተኛታት ዝሰርሕ፣ መዓስከራት፣ ናይ መግብን ሕክምናን ኣገልግሎት እንዳሃበ ንስደተኛታት የተባብዕ ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ ዶብ ጥሒሶም ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣትዉ ስደተኛታት ቁጽሪ እንተወሲኹ፣ እቲ ጽዕነት ኣብ ህዝቢ ብሪጣንያ’ዩ ዝወድቕ ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነቶም ስደተኛታት ደቂቕ ምምያ ብምግባር፣ ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ሓተትቲ ዑቕባ ፈላልዩ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ነቶም ዝተረፉ ከኣ ናብ ዓዶም ክመልሶም ይግባእ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈጥረ ዕግርግር፣ እቲ ስደተኛታት ዝእከቡሉ ከባቢ ብፖሊስ ክጸሪ ምምሕዳር’ታ ከተማ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኔሩ’ዩ።

እዚ ሕጂ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምቲ ቀዳማይ፣ ናይ ሕክምና፣ ናይ መግብን መሕጸብ ኣካላትን ኣገልግሎት ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ። መንግስቲ ፈረንሳ ነዚ ግዚያዊ መዕቆቢ መካየዲ ዝኸውን ዓመታዊ 6 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ ከምዝሓቶ ፖለቲከኛታት ብሪጣንያ የመልክቱ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0