ኣብ ከተማ ጁባ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ኣብያተ ሸቐጥ ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ከተማ ጁባ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ኣብያተ ሸቐጥ ጉድኣት ኣውሪዱ

Radio Erena: 06 January 2015

JUbaF

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ፣ ብዘጋጠመ ባርዕ 10ታት ኣብያተ ሸቐጥን ካልእ ትካላትን ከምዝተሃሞኸ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ቲ ተሃሙኹ ዘሎ ኣብያተ ሰቐጥን ትካላትን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ’ውን በቲ ባርዕ ዓንዩ ኣሎ።

እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ፣ ዜጋታት ኡጋንዳን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ንኣሽቱ ትካላትን ኣብያተ ሸቐጠን ዘዘውትርሉ ቦታ ምዃኑ’ውን ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ።

 

በቲ ብ4 ጥሪ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግና ዛጊት ኣይተሓበረን። 

ነቲ ሓያሎ ትካላትን ኣባይትን ዕንወት ዘውረደ ባርዕ ንምጥፋኡ፣ መጥፋእቲ ሓዊ ወይ ፒምፖሪ ከምዘይተላእካ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ጠንቒ’ቲ ባርዕ፣ ብዘይግብኡ ኣገባብ ዝተተኽለ መስመራት ኤሌክትሪክ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0