ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፣ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ እምባር ሓጎዳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 November 2020

ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ እምባር ሓጎዳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ክልተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምኡ ድማ ጎረቤት ዝኾና ዓባይ ሰበይት፣ ብጠቕላላ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብሰንበት 15ሕዳር፣ ካብ ትግራይ ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ናብታ ቁሸት ተደጋጋሚ ቦምባታት ክዓልብ እንከሎ፣ ኣብ ሓንቲ ገዛ ንዝነበራ ሰለስተ ደቂንስትዮ ድማ ከምዝቐተለ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ እትርከብ እምባዳ፣ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ዓድታት እንዳዳሽም ተባሂለን ዝጽውዓ ቁሸታት’ያ።

ካብ 13 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ካብ ትግራት ናብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ጸጸኒሑ’ ውን ይቅጽል ኣሎ።

ዛጊት ዝርዝር ናይቲ ዘውረዶ ዕንወት ብዝርዝር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግና ገሊኡ ናብ እምባ መጠራ፣ ኣብ ዝርከብ በዓቲታት ክዕቖብ እንከሎ፣ ገሊኡ ድማ ውሑሳት ናብ ዝበለን ዓድታት ተበታቲኑ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሹቕ (ሰንዓፈ ኣሽጢ)፡ ጾቶራ፡ መጠራን እንዳዳሽም ኣብ ዝተባህለ ገጠርን፣ ከም ኣተኮስቲ ከቢብ ብረት ኮይኖም ተዋፊሮም ጸኒሖም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተታሕዙ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0