ኣብ እስራኤል ዓወታት ዘመዝግቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ተስፍኦም ብሰንኪ ኾሎት ይጽልምት

ኣብ እስራኤል ዓወታት ዘመዝግቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ተስፍኦም ብሰንኪ ኾሎት ይጽልምት

Radio Erena: 05 July 2016

Cycling

ኣብ እስራኤል ጽቡቕ ዓወታት ዘመዝግቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ተስፍኦም ብሰንኪ ማእሰርቲ ኾሎት ከይሰናኸል ኣብ ሻቖልት ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

እዞም ሚኪኤል ተስፋማርያምን ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ዝትበሃሉ ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ንማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ ብሰንኪ ግዱድ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ነቲ ዘፍቕርዎ ዓይነት ስፖርት ጠንጢኖም ክስደዱ ከምዝተገደዱ’ዮም ዝገልጹ።

እቶም ብጋንታ ተጠርኒፎም ኣብ ደረጅኦም ዝወዳደሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ሓያሎ ዋናጩ ብምዕታር፣ ንመጻኢ ብዝልዓለ ክደፍኡሉ ይጽዕሩ እኳ እንተለዉ፣ መንግስቲ እስራኤል በብእዋኑ ዘውጽኦ ዘሎ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክዳጎኑ ዝብል ትእዛዝ ግና ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ምህላዉ ጠቒሶም።

 

ፊልሞን ዝተባህለ ሓለቃ’ታ ጋንታ፣ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክዳጎን ድሕሪ ዝቐረበሉ ጻውዒት፣ ካብ ፍቕሪ ቅድድም ብሽክለታ ክእለ ስለዘይደለየ ብፍቓዱ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥረዝ ከምዝሓተተ’ውን ከም ኣብነት ጠቒሶም።

ወዲ 34 ዓመት ሚኪኤል ተስፋማርያም’ውን ክሳብ 4 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ክርከብ ተሓቲቱ ምህላዉ’ዩ ዘነጽር ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሃረጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ፣ ክልተ ኤርትራውያንን ንክለብ ዳይመንሽን ዳታ ሓደ ኢትዮጵያውያን ከኣ ላምፕረ መሪደር ወኪሎም ይቐዳደሙ ኣለዉ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማንትን ናትናኤል ብርሃንን ከምኡ ድማ ሓደ ኢትዮጵያን ኣብ ሓንቲ ጋንቲ ተጠርኒፎም ይወዳደሩ ምህላዎም ዝገልጽ ናይ ትማሊ ዜና’ውን ብጌጋ ምዃኑ ምስናይ ይቕሬታ ንሕብር።

ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ጽጋቡ ገብረማርያም፣ ኣቐዲሙ ኣባል እታ ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት፣ መርሃዊ ቅዱስን ናትንናኤል ብርሃነን ጠርኒፋ ዝነበረ ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ’ዩ ኔሩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0