Updated: ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Updated: ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 25 June 2015

demois

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኤርትራውያን ብ25 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ዝኽወል ከምዘይኮነ ዘዘኻኽር ዝተፈላለየ ጭርሖታትን ኣሳእልን’ውን ኣልዒሎም።

እቲ ካብ ዝተፈላለየ ካባቢታትን ካብ ሖሎትን ዝወሓዙ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒን ካልኦት ግዱሳት ዝተወደበ ኮይኑ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ’ዩ ተኻይዱ።

ሰልፈኛታት ድማ ካብ ለቪንስኪ ፓርክ ተበጊሶም ክሳብ’ቲ ኤምባሲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከበሉ ጎደና ራማት ጋን ዝተፈላለየ ጭርሖታት እናስምዑ ብእግሪ ተጓዒዞም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ኣገባባት ማእሰርቲን መቐጻዕትን ብምርኢት ንህዝቢ ከምዘቕረበ’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ወከልቲ’ቲ ኤምባሲ በቶም ኤርትራውያን ንዝተዳለወ መልእኽትን ጥርዓናትን ዘለዎ ደብዳቤ ከምዝተቐበሉን፣ ምስ ሓደ ሓደ ካብቶም ሰለፈኛታት ድማ ብዛዕቲ እቲ ጉዳይ ከምዝተዘራረቡን’ውን እቲ ወኪል ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብቲ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘቕረብዎ ናይ ጥርዓን ደብዳቤ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፣ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ሓገዛት ደው ከብል፣ መንግስቲ እስራኤል ድማ ንኤርትራውያን መሰል ስደተኛታት ክሕልወሎም ኣብ በረኻ ተዳጕኖም ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ክፍትሑን ጻውዒት ክገብርን ዝብል ነጥብታት ይርከቦ።

ወከልቲ ኤምባሲ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ኩነታት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርድኦም ብምርግጋጽ፣ ዝከኣሎም ጻዕርታት ክገብሩ ምዃኖም ከምዝሓበሩ’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ጠቒሱ።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0