ኣብ እስራኤል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ሓደ ኤርትራዊ ተቐቲሉ

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ሓደ ኤርትራዊ ተቐቲሉ

Radio Erena: 19 October 2015

Isrkill

ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብኸቢድ ድሕሪ ምቑሳሉ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ከዝሞተ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኾሲሞም ድሕሪ ምቑሳሎም፣ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም’ዮም ከቢድ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶምሉ።

እቲ ኤርትራዊ፣ ካብቲ ኣብ መደብር ኣውቶቡስ ዘጋጠመ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ዘቑሰለ መጥቃዕቲ፣ ነብሱ ንምድሓን እናሃደመ እንከሎ፣ ሓደ ካብ ኣባላት ሓለዋ እቲ መደበር ተኵሱ ከምዘውደቆ ማዕከን ዜና ዋይ ኔት ኒውስ ኣረጋጊጹ።

 

ምስቲ ዝተቀትለ ኤርትራዊ ዝነበረ ካልኣዩ ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተታሒዙ መርመራ ተኻይድ’ሉ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0