ኣብ እስራኤል ብግፍዒ ንዝተቐትለ ኤርትራዊ መንእሰይ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ኣብ እስራኤል ብግፍዒ ንዝተቐትለ ኤርትራዊ መንእሰይ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

Radio Erena: 26 October 2015

Habtom In Is

ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ብቀዳም 24 ጥቅምቲ፣ ወጋሕታ ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምክያደን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ናብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝረከብሉ ሊቨንስኪ ፓርክ ወይ እንዳሳዕሪ ብምምራሕ’ውን ምስ ህዝቢ ናይ ሓባር ጸሎት ብምክያድ ደጊሞም ንኹሉ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ንስድራት እቲ ግዳይ ዓመጽ እስራኤላውያን ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃብቶም ገንዘብ ከምዘዋጽኡ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብቶ ቦታ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ጸሎተ ፍትሓት ኣጋጣሚ፣ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተወከሉ ሰለስተ ኣመሪካውያን ተረኺቦም ንስድራቤት መዋቲ ጽንዓት ይሃብኩም ምባሎም’ውን እቲ ወኪል ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብቲ ጸሎተ ፍትሓት ካብ ወገን ኤምባሲ ኤርትራ ዝተረኽበ ኣካል ኣይነበረን።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ሲናይ፣ ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ብኣማኢት ናይ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዜጋታት ኤርትራ ዝኾነ መግለጺ ክህብ ዘይተሰምዐ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፣ ንሞት እዚ እስራኤላዊ መንእሰይ ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ክጉስጉሰሉ ምፍታኑ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዚኑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነቲ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ብጥይት ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ብመናብር ጨፍጪፎም ናብ ሞት ዘብጽሕዎ ኣርባዕተ እስራኤላውያን፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ጥራይ ክጸንሑ ቤት ፍርዲ ባር ሼቫ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ንጹህ ሰብ ከቢድ ገበን ብምፍጻም ህወይቱ ዘሕለፉ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ጥራይ ክጸንሑ ምውሳኑ፡ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ገጢምዎ።

ጉዳይ እዚ መዛረቢ መላእ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ገና ኣብ ቤት ፍርዲ መስርሑ ክቕጽል እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ እስራኤል ብሽፍንፍን ክሓልፎ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0