ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቕዋም ንሳልስቲ ዝቐጽል ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቕዋም ንሳልስቲ ዝቐጽል ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው

Radio Erena: January 6, 2014

 

eri Is

ኣብ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ንውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቕዋም ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ጎደናታት ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ናይ ተቓውሞስ ሰልፊ ዘካይዱ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንኽረረ ዝመጽእ ዘሎ መርገጺ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብትሪ ኮኒኖም።

መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብድምር ልዕሊ 60 ሽሕ ዝተገመቱ ስደተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ክጥርዞም ወይ ድማ ኣብ በረኻታት ኣብ ዝተደኮነ መዳጎኒ መዓስከራት ብዘይዝኾነ መሰልን ዕድላትን ክሕዞም’ዩ ወሲኑ ዘሎ።

እስራኤል ኣብ 1948 ከም ሃገር ካብ እትቐውም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣስታት 200 ንዝኮኑ ሰባት ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃበት ጸብጻብ ኣልጀዚራ የመልክት።

ኣብ እስራኤል ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ካልኦትን ዝርከብዎም ልዕሊ 60 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከብዉ ኤርትራውያን፣ ካብ ናይቶም ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ጸገም ስለዘለዎም፣ መንግስቲ እስራኤል ንጉዳዮም ምስቶም ካልኦት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ፈልዩ ክርእዮ’ዮም ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ዝሓቱ።

 

እዚ ስራሕ ደው ብምባል ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ክውሕዙ ካብ ዝጀመርሉ ኣብታ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ’ዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ደቂ ክልተ ወርሒ ህጻናት ክሳብ ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረጋውያን’ዮም ተሳቲፎሞ።

እቶም ስራሕ ደው ብምባል ንሳልስቲ ዝቕጽል ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ሎሚ ሰኑ’ውን ኣብ ቀጽሪ ናይ 10 ኤምባሲታት ድምጾም ከስምዑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ንሳልስቲ ዝቕጽል ሰለማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ጸጋማዊ መርገጺ ዘለዎም እስራኤላውያንን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን’ውን ይሳተፉ ምህላዎም ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

============================

 

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0