ኣብ እስራኤል፣ ብኤርትራውያን ወለዲ እትእለን እትመሓደርን መባእታ ቤት ትምህርቲ 38 ቆልዑ ኣምሂራ

ኣብ እስራኤል፣ ብኤርትራውያን ወለዲ እትእለን እትመሓደርን መባእታ ቤት ትምህርቲ 38 ቆልዑ ኣምሂራ

Radio Erena : 07 October 2015

com iss

ኣብ እስራኤል ብኣቦጊዳ እትፍለጥ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኤርትራውያን ናይ ዓመተ 2014-2015 ኣካዳምያዊ ትምህርታ ዛዚማ።

ኣብዚ ንኣስታት 9 ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ስሩዕ ትምህርቲ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ናይ ባእታ ደረጃ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ 38 ቆልዑ፣ ወለዲን ግዱሳትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ወግዓዊ ናይ መዘዛሚ ስነ ስርዓት ተኻይዱ።

ኣብቲ ብሰኑይ 5 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ተልኣቪቭ ሃሃገና ጎደና ክሂላት ኒውዮርክ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምዝዛም፡ ወለዲን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተረኺቦም ነቲ ስራሕ ዘለዎም ኣድናቖት ከምዝገለጹ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

 

እቲ ስነ ስርዓት፡ ብሃገራዊ መዝሙርን ካልእ ብተምሃሮ ዝቐረበ ድራማታትን ተሰንዩ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብ መሪር ናብራ ስደት እስራኤል ንዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ወለዲ ልዑል ተስፋ ዘሕደረ ምንባሩ’ውን እቲ ወኪል ትዕዝብቱ ገሊጹ።

ትምህርቶም ብስሩዕ ንዝዛዘሙ ቆልዑ ምስክር ወረቐት ክዕደሎም እንከሎ፣ ከካብ ክፍሎም ጸብለል ንዝበሉ ኸኣ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂብዎም።

ብንጥፈታት እታ ቤት ትምህርቲ ዕጋበቱ ዝገለጸ ኣቶ ሚኬለ ፍትዊ ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን፡ ንብምሉኦም ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ዘገልግል ምሉእ መምሃሪ ጥራውዝትን ቢሮን ከወፊ እንከሎ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምድሃብ’ውን ሰለስተ ኮዓሳሱ ኣበርኪቱ።

እታ ሰለስተ ክፍልታት ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ብዘይ ናይ ዝኾነ ትካል ሓገዝ፣ ብወለዲ እትካየድ’ያ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ዓመታዊ ዕረፍቲ’ውን ናይ ራብዓይ ክፍሊ ደረጃ ትምህርቶም ንዝቕጽሉ ተማህሮ ንምትእንጋድ ትዳሎ ከምዘላ ኣካየድታ ይጠቕሱ።

ተወሰኽቲ ተማሃሮ ንምትእንጋድን መደባታ ንምስፋሕን ጻዕርታት ትብር እኳ እንተላ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ቀዋሚ ቦታ ክትረከብ ብዘይምኽኣላ ዓቢ መሰናኽል ኮይኑዋ ምህላዉ’ውን እቶም ኣካየድቲ የመልክቱ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0