ኣብ እስራኤል፣ ብትግርኛ እትምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ናይ 2016 ስሩዕ ንጥፈታታ ጀሚራ

ኣብ እስራኤል፣ ብትግርኛ እትምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ናይ 2016 ስሩዕ ንጥፈታታ ጀሚራ

Radio Erena: 04 January 2015

Abu gida

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ እትርከብ ንኤርትራውያን ቆልዑ ብቋንቋ ኣደ -ብትርግኛ እትመህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ናይ ዓመት ትምህርቲ 2016 ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ጀሚራ።

እታ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ይኹን ካልእ ምትእትታው ዘይብላ፣ ኣብ እስራኤል ተሰዲዶም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ወለዲ ዝቖመት ኣቡጊዳ ዝተባህለት መባእታ ቤት ትምህርቲ፣ መደባታ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናስፍሐት ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብዝሒ ናይ ዝተመዝገቡ ተማሃሮ ናብ 40 ተጸጊዑ ከምዘሎ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ኣረዲኡ።

 

እታ ቤት ትምህርቲ፣ ንክልተ ወርሒ ኣቕሪፋ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ሓደ ክፍሊን ሓደ መምህርን ብምውሳኽ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ንጥፈታታ ብምንዕባይ ክትጅምር ከምዝኸኣለት’ውን ንኣካየድቲ ናይታ ቤት ትምህርቲ ብምጥቃስ እቲ ወኪል ገሊጹ።

ብሰንኪ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ቦታታት ክትቕይር ዝተገደደት ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ በዳህቲ ፈተናታት እናሰገረት ናይ ሎሚ ዓመት ንጥፈታታ፣ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ፣ ሌቫንዳ 19 ከም እተካይድ’ውን ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ንዘሎ በዳሂ ናይ መንበሪ ፍቓድን ካልእን ኩነታት እናሰገሩ፣ ንደቆምን ምስ ባህሎም መንነቶምን ብዝተኣሳሰረ ብቋንቋ ኣደ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክቕርብሎም ምኽኣሎም፣ ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ኣብነት ክጥቐስ እትኽእል ዕውቲ ቤት ትምህርቲ’ያ።

እቲ ብመምህራንን ወለድን ትካየድ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ፡ ካብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚራ ብቦርድ እናተኣልየትን ስሩዕ ቅዋም እናተኸተለትን፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ክትቕጽል ምዃና ኣካየደታ የመልክቱ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ብዛዕባ ንጥፈታት እዛ ቤት ትምህርቲ ብዝምልከት ዝተዳለወ ሰፊሕ መደብ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክቐርብ ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0