ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 21 December 2022

ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ክሳብ ጥሪ 2023 ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ዲሳፖራ ሶማል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ታሕሳስ ከምዝጅምር ብምጥቃስ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ ከምዛዘም ኣስሚርሉ።

እቶም ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝተላእኩ ዝተሓበሩ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፍሕፈሐ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ዓዶም ከፋንዎም ፍቃደኛ ከምዘይነበረ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣመሪካ ኣብ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ክትተሓባበሮም ተማሕጺኑ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንካልኣይ እዋኑ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ሓይልታት ኣየርን ባሕርን ንዝስልጥኑ ዘለዉ ሶማላውያን ከምዝበጽሐ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቶም ወትሃደራት፣ ኣብ ቀጠር ስራሕ ኣሎ ተባሂሎም፣ ብስዉር ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱን፣ ድሕሪ ታዕሊም ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ከምዝተሳተፉን መርበባት ዜና ሶማል ክወቕሳ ጸኒሐን።

መንግስቲ ሶማል፣ በተን መርበባት ዜና ንዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታ መልሲ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ኣዴታት ሶማል ሃለዋት ደቅና ኣፍልጡና ዝብል ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ድሕሪ ምውዳበን ግና፣ ናብ ኤርትራ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝተላእኩ ክእመን ተገዲዱ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ተሳቲፎም ንዝብል ግና እቲ መንግስቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይነጽጎ’ዩ።

ምምላስ ናይዞም ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 3 ዓመታት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ካብ ህዝቢ ሶማልን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ተኸዊሉ ዝጸንሐ ሓያሎ ምስጢራት ክቃልዕ ከምዝኽእል ይግመት።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0