‘ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል፣ ዝተታሕዝሉ ኩነታት ‘ባርነት’ዩ’ ክብል ጋረወ ገሊጹ

Radio Erena: 22 July 2022

ካብ 2019 ኣትሒዞም፣ ንታዕሊም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል፣ ዘለውዎ ኩነታት ባርነት’ዩ ክብል ሓደ ካብ ዓበይቲ መርበባት ዜና እታ ሃገር፣ ጋረወ ገሊጹ።

እቲ መርበብ ዜና ምስ ገለ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሶማላውያን ወትሃደራት ብምዝርራብ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ታዕሊም ቅድሚ ክልተ ዓመታት እኳ እንተወድኡ፣ ዝበዝሐ ግዜኦም፣ ኣብ ሕርሻን ካልእ ናይ ጉልበት ስራሕን ተዋፊሮም የሕልፍዎ ምህላዉ ኣቓሊዑ።

ንኣተሓሕዝኦም ብዝምልከት’ውን ምስ ባርነት ዝመሳሰልን ኢሰብኣዊን’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶማል፣ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ተታሒዞም ዘለዉ ወትሃደራት ብዝምልከት ርሱን ዘተን ክተዓትን ይካየድ ምህላዉ፣ ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ብሰፊሑ ቀሪቡ’ዩ።

እቶም ወትሃደራት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክምለስሉ ዘይተኻእለሉ ምኽንያት፣ ካብ መንግስቲ ወግዓዊ ምላሽ ክወሃቢ ኣብ ምሕታት’ዩ ዝርከብ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ካብ ዝኣትዉ እስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ከምዝሞቱ መርበባት ዜና ሶማል ይጠቕሳ።

ንኣማውትኦም ብዝምልከት’ውን ህዝቢ ምሉእ ሓበሬታ ክወሃቦ ተደጋጋሚ ሕቶታት ኣብ ምቕራብ ይርከብ።

እቶም ወትሃደራት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምስላፍ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ከምዝተሳተፉ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ሶማል ግና ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0