ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ንጥፈታት ዘካዪድ ዘሎ ኩባንያ ዳናካሊ ንሽልማት ተሓጽዩ

Radio Erena: 25 October 2020

ኣፍሪካ ማዕድንን ጸዓትን ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ንጥፈታት ንዘካዪድ ዘሎ ኩባንያ ዳናካሊ ንሽልማት ሓጽዩዎ።

እቲ ጉጅለ፣ ናይ 2020 ዓመተ ምህረት፣ ጸለውቲ መራሕቲ ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ ብምባል ንሸሞንተ ኣውስትራልያውያን ትካላት ንሕጹይነት ኣብ ዘቕረበሉ፣ ዕደናዊ ትካል ዳናካሊ ዝበለጸ ፈጠራዊ ምህዞታት፣ ብሉጽ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ምፍጣርን ተበግሶታት ምዕባለ ምፍጣርን ኣብ ዝብሉ መለክዒታት እዩ ተረቚሑ ዘሎ።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ጉጅለ ቢል ዊትሃም ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዕድላት ትምህርቲ፣ ስራሕን ጥዕናን ኣብ ምፍጣር ጻዕርታት ንዘርኣያ ትካላት ዝወሃብ ሽልማት፣ ኣብዚ እዋን ኮቪድ 19 እውን ብዘይዕንቅፋት ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።

ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ትካል ኤናምኮ ብምሽራኽ እዩ ንጥፈታት ዕደና ዘካዪድ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደናዊ ስራሓት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ እቲ ናይ ዕደና ቦታታት፣ ንጥዕና ወዲ ሰብ ውሕስነት ከምዘይብሉ በብእዋኑ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0