ኣብ ኤርትራ ንሸውዓተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ከምዝሞተ ተገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ንሸውዓተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ከምዝሞተ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 August 2015

mamun Darwish

ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ከምዝሞተ መርበብ ሓበሬታ ዲፕሎማት ገሊጹ።

እቲ ማእሙን ዳርዊሽ ዝተባህለ ሱዳናዊ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞተ’ዩ እቲ መርበብ ሓበሬታ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ጽሒፉ።

ኣቐዲሙ ከም ሰኣላይ ድሕሪ ድማ ካብን ናብን ኣስመራ – ከሰላ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ከምዝነበረ ዝተገልጸ እቲ ሱዳናዊ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ስድራቤቱ፣ ብዝዕባ ሞቱ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተረድኡ’ውን መርበብ ሓበሬታ ዲፕሎማት የመልክት።

 

እቲ ዓርኪ ሰውራ ኤርትራ ምንባሩ ዝተገልጸ ሱዳናዊ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኤርትራ ዜግነት ከምዝተዋህቦ’ውን ኣብቲ ሓበሬታ ሰፊሩ ኣሎ።

ብክሲ ስለያን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ጉዳያትን ዝተጠርጠሩ ሓያሎ ሱዳናውያን ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ መርበብ ሓበሬታ ዲፕሎማት

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0