ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገቢኑ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ምንዝርና ይዋፈራ ምህላወን ተገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገቢኑ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ምንዝርና ይዋፈራ ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: March 10, 2014

Asmara by Night

ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ብሰንኪ ዘሎ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ሕሰም፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ከይተረፋ ኣብ ምንዝርና ይዋፈራ ምህላወን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢታት ካርቱም ሆቴል- ባቢሎን፣ ማርካቶ እናዳዓሳ፣ ኣብ ዕዳጋ እኽሊ መጸበይ ታክሲ፣ ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብዝሒ ዘለወን ትሕቲ ዕደመ ደቂንስትዮ ንምንዝርና ተዋፊረን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት እዚ ድማ ብቐንዱ ውጽኢት ናይቲ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ከቢድ ማሕበራዊ ሕሰም’ዩ ክብል ኣረዲኦም።

ኣብ ኣስመራ፣ ኣብቲ ብብዝሒ ባራት ዘለዎ ከባቢታት ንምንዝርና ዝዋፈራ ደቂንስትዮ ይርኣያ እኳ እንተነበራ፣ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ምንዝርና ግና ዝያዳ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ደቂንስትዮ ዘተኮረ ምዃኑ ንህዝቢ ኣዝዩ ኣጕሁዩ ከምዘሎ’ውን ኣተሓሳሲቦም።

 

ነተን ኣብ ዑሙር ከባቢታት ኣስመራ ንምንዝርና ኣብ ጎደናታት ዝዋፈራ ደቂንስትዮ ንምብታን ፖሊስ ዝዋፈሩ እኳ እንተኾኑ፣ ነባሪ ፍታሕ ግና ብፖሊስ ብምህዳን ዘይኮነ፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ስድራቤታት ንኽስተኻከል ምስራሕ’ዩ ዝበሉ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታትና፣ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ እንተዘይረኽቡ ድማ ክብሪ ሕብረተሰብናን ከተማታትን ብኣሉታኡ ዝጸሉ ግኑን ተግባር ኮይኑ ከይስዕርር ከምዘስግእ ኣጠንቒቖም።

ናብ ኤርትራ ንዑደት ዝመጹ ሱዳናውያን በጻሕቲ ሃገረን፣ ካልኦትን፣ ኣብ ኣስመራ ብዝሒ ዘለወን ትሕቲ ዕድመ ደቂንስትዮ ኣብ ምንዝርና ተዋፊረን ምርኣዮም’ውን ብጉድ ዝዛረብሉ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0