ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 320 ሽሕ ሰባት ጥራይ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ይውንኑ

Radio Erena: 03 February 2020

ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ሲም ካርድ ናይ ቴሌፎን ክውንኑ ዝኸኣሉ ሰባት ካብ 320 ሽሕ ከምዘይበዝሑ፣ ኣባል ኤሪቴል ዝነበረ መንእሰያት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

ብገምጋም መንግስቲ፣ ኣብ ኣስመራ ኣስታት 630 ሽሕ ዝግመት ነበሪ’ዩ ዘሎ ዝነበለ እቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ኣባል ኤሪቴል ነበር፣ ብኣንጻሩ፣ ብደረጃ ሃገር ሲምካርድ ናይ ሞባይል ዝወነኑ ብዝሒ ዜጋታት ግና ኣስታት ፍቅሪ ናይዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ ብዝሒ’ዚ ምስቲ 5.7 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ ክነጻጸር እንከሎ፣ ሲም ካርድ ናይ ሞባልይ ክውንን ዝኸኣለ ህዝቢ ኤርትራ እቲ 5% ጥራይ’ዩ።

እቲ 95% ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ገሊኡ ካብ ቴክኖሎጂ ርሕቐት ዘለዎ ከባቢታት ገጠር ክነብር እንከሎ፣ እቲ ገለ ክፋሉ ግና ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኣብ ኣተዓዳድላ ሲምካርድ ዘለዎ ጽኑዕ ቁጽጽር ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ኣባል ኤሪቴል ነበረ ኣረዲኡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ሲም ካርድ ናይ ሞባይል ዝውንን ሰብ፣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፋነወ ወይ ዘይምልከቶ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣባላት ሰራዊት’ውን ሞባይል ክውንኑ ኣይፍቀደሞን።

ይኹን’ምበር፣ ሓያሎ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣባላት ሰራዊትን ብስም ወለዶን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ሲም ካርድ ናይ ቴሌፎን ክውንኑ ክኢሎም’ዮም።

ኣብ ርእሲ’ቲ ሲም ካርድ ናይ ቴሌፎን ንምውጻእ ዘሎ ናይ ምምሕዳራዊ ኮለልን ጽኑዕ ቁጽጽርን፣ ዋጋ ሲም ካርድን ንኣገልግሎት ዝሕተት ወርሓዊ ክፍሊትን’ውን ክሳብ 1000 ናቕፍ ስለዝበጽሕ ምስ ኣታዊ እቲ ህዝቢ ዝመጣጠን ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ፣ ሲም ካርድ ናይ ቴኤፎን ንምውናን ኣብ ርእሲ ዘሎ ጽኑዕ ቁጽጽር፣ ኣገልግሎቱ’ውን ካብቲ መሰረታዊ፣ ንጻውዒትን ምቕባልን፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ምሕላፍን ምቕባልን ዝሓለፍ ኣገልግሎት የብሉን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0