ኣብ ኤርትራ፣ ን13 ዓመታት ዕደና ፖታሽ ከካይድ ዝጸንሐ ኩባንያ ዳናካሊ፣ 50% ፕሮጀክቱ ናብ ቻይና ክሸጦ’ዩ

Radio Erena: 06 October 2022

ካብ 2009 ኣትሒዙ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ፖታሽ ዝነጥፍ ዘሎ፣ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናክሊ፣ 50% ናይ ዕደና ፕሮጀክቱ ናብ ቻይና ክሸጦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስቲ ‘ሲሽዋን’ ዝተባህለ መንግስታዊ ኩባንያ ቻይና፣ ክሳብ ግንቦት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ስምምዖም ክውድኡ ትጽቢት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ካብ መሸጣ እቲ ፕሮጀክት ዝርከብ፣ 121 ሚልዮን ዶላር፣ እቲ 90% ንወነንቲ ብርኪ ክከፋፍሎ ምዃኑ ዝሓበረ ኩባንያ ዳናክሊ፣ እቲ ዝተረፈ 12 ሚልዮን ድማ ንሓድሽ ፕሮጀክታት ከቋምተሉ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ፕሮጀክት ዕደና ደናክሊ፣ ኣስታት 1.1 ቢልዮን ቶን ዕቝር ፖታሽ ከምዘለዎ’ዩ መጽናዕታት ዝሕብር።

60% ናይቲ ፕሮጀክት ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ደናክሊ ክውንኖ እንከሎ፣ እቲ 40% ንመግስቲ ኤርትራ ዝተሓዝአ’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ንፍርቂ ካብቲ ዝውንኖ 60% ናይቲ ፕሮጀት ድማ’ዩ፣ ንቻይና ክሸጠላ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0