ኣብ ኤርትራ፣ መሸጣ ዕለቱ ዝወደቐ ዕሹግ መግብታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ

ኣብ ኤርትራ፣ መሸጣ ዕለቱ ዝወደቐ ዕሹግ መግብታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: 05 August 2015

mar

መሸጣ ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸን ዕሹግ መግብታት ካብ ልዕሊ ዝኾነ እዋን እናሳዕረረ ምምጽኡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዱኳናትን ኣብ ጎደናታትን ብብዝሒ ዝሽየጥ ዘሎ ከም ጸባ፣ ርግኦ፣ ጽማቕ፣ ዘይትን ብሽኮትን ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት ኣብ ጥዕና ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥዕና ቆልዑ ኣሉታዊ ሳዕቤን የኸትል ምህላዉ’ውን ጠቒሶም።

ብኮንትሮባንዳ ብሱዳን ይውሕዝ ከምዘሎ ዝንገረሉ ጥዕንኡን ዕለቱን ዘይተረጋገጸ ሃለኽቲ ነገራት፣ ካብ ጎደናታት ሓሊፉ ኣብ ዱኳናት’ውን ብስሩዕ ክሽየጥ ይርአ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ሳሕቲ ዘካይዶ ምቁጽጻር እንተዘይኮይኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይክኣለ ኣምልኪቶም።

 

ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕኑ ዘይተረጋገጸን ዕሹግ መግብታት ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራውያን ብብዝሒ ከምዝርአ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ መግብን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን፣ ብዘይካ ዕሹግ መግብታት፣ ከም ነዳድ፣ መድኒት፣ ዘይትን ፊኖን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት’ውን ብዶብ ሱዳን፣ ብኮንትሮባንዳ ከምዝኣቱ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተተምየነ ባጤራታት ይሰጋገር ከምዘሎ ይንገር።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0