ኣብ ኤርትራን ተመሳሰልቲ ሃገራትን ንዘሎ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ዘንጸባርቕ ምርኢት ኣብ ፓሪስ ቀሪቡ

ኣብ ኤርትራን ተመሳሰልቲ ሃገራትን ንዘሎ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ዘንጸባርቕ ምርኢት ኣብ ፓሪስ ቀሪቡ

Radio Erena: 17 December 2014

ContPar

ኣብ ኤርትራን ካልኦት ተመሳሳልቲ ሃገራትን ንዘሎ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርትን እሱራት ጋዜጠኛታትን ዝገልጽ ምርኢት ኣብ ፓሪስ ቀሪቡ።

እቲ ብኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ተዳልዩ፣ ኣብቲ ሚልዮናት በጻሕቲ ሃገር ዑደት ዘካይድሉ እግሪ ኣይፍል ታወር ኣብ ዝርከብ ሜዳ ቻምፕ ደ ማርስ ዝተኻየደ ምርኢት፣ ብፍሉይ ንኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንምንጽብራቕ፣ ኣብ ኤርትራ ከም ቤት ምእሰርቲ ዘገልግል ኮንቴይነር’ውን ኣቕሪቡ።

ኣብ ካልእ ዓለም መጓዓዓዚ ኣቕሑ ዘገልግል ኮንቴይነር ኣብ ኤርትራ ከም ኣውራ ቤት ምእሰርቲ ዘገልግል ምዃኑ’ውን ኣብ እግሪ ኣይፍል ታወር ንዝዛወሩ ዝነበሩ ሓያሎ በጻሕቲ ሃገራት መግለጺ ተዋሂብዎም።

 

ነቲ ኮንቴይነር፣ ‘እዚ ተራ ኮንቴይነር ኣይኮነን ቤት ማእሰርቲ’ዩ።’ ዝብል ጽሑፍን ተንጠልጢልዎ’ዩ።

ኣብቲ ትማሊ 16 ታሕሳስ ኣብ እግሪ ኣይፍል ታወር ዝተኻየደ ምርኢት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ፖስተር’ውን ንሓያሎ ሰባት ተዓዲሉ’ዩ።

ካብ ጥሪ 2014 ክሳብ 8 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብደረጃ ዓለም 178 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ክርከቡ እንከለዉ፣ 28 ካብዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተዳለወ ፖስተራት ተዘርጊሑ።

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት፣ 29 ጋዜጠኛታት ብምቕያድ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ቻይና ክትከውን እንከላ፣ እታ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ድማ 28 ጋዜጠኛታት ብምቕያዳ ካልኣይቲ ኮይና ትስዕባ ኣላ።

ኣስታት ፍርቂ ካብዞም ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ካብ 2001ን ከምኡ ድማ 2002 ንደሓር ድሕሪ ምእሳሮም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ’ዩ።

ብብዝሒ ቀይደንኦም ዝርከባ ጋዜጠኛታት ንቻይና ኤርትራን ተኸቲለን ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዘን ዝርከባ ሃገራት ከኣ ኢራን (19)፣ ግብጽን (16) ሶርያ (13)’የን።

ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኤርትራ ንተኸታታሊ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ’ያ ተሰሪዓ ትርከብ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0