ኣብ ኣፍሪቃ ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለዋ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና መጽናዕታዊ ጽሑፍ ጠቒሱ

Radio Erena: 24 March 2017

Single Party

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምራሕ፣ ንጉሳዊ ዘይኮነ መንግስቲ ዘለዋ እንኮ ሃገር ኤርትራ ምዃና ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር እተን ብዙሓዊ ሰልፍታት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ብዓብላልነትን ምልክን ሓደ ሰልፍን መራሕቱን ጥራይ ከምዝመሓደራ እቲ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ስርዓታትን ምሕደራ መንግስትን መጽናዕቲ ዘካየደ፣ ‘ጆኡርናል ፎር ኮንተምፖራሪ ፖሊቲክስ’ ዝተሰምየ ጽሑፍ ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዋ ልዕሊ 192 ሃገራት ዓለም ብእንኮ ሰልፊ ዝምራሓ ሃገራት ሽዱሽተ ኮይነን፣ ንሳተን ድማ ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ላኦስ፣ ቬትናም፣ ቻይናን ኩባን’የን።

ኣብዘን ብሓደ ሰልፊ ዝምርሓ ሽዱሽተ ሃገራት፣ ኣብ ቻይና፣ ቬትናምን ላኦስን ስሩዕን ወቕቱ ዝሓለወን ናይ መራሕቲ ምልውዋጥ ክህሉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያን ግና መራሕተን ብሞት ወይ ሕማም እንተዘይኮይኑ ስልጣን ከምዘየሰጋግሩ እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ፣ ብህግደፍ ዘይኮነት፣ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ፣ ‘ቶታሊታርያዊ’ ስርዓት’ዩ ዘለዋ ክብሉ ካልኦት ፖለቲከኛታት ትንተናታቶም ይህቡ’ዮም።

ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ፣ ዖማን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ዓረብ፣ መንግስቲ ብምሉእ ስልጣን ንጉሳዊ ቤተሰብ ከምዝመሓደር ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0