ኣብ ኣፍሪቃ፣ ክታበት ኮረና ቫይረስ ንምጅማር ፍቓደኛ ዘይኮነት ሃገር ኤርትራ በይና ተሪፋ

Radio Erena: 03 August 2021

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ክታበት ኮረና ቫይረስ ንምጅማር ፍቓደኛ ዘይኮነት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ኮይና።

ብመንገዲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተማእከለ መደብ ኮቫክስ፣ ክታበት ኮረና ቫይርስ ንምብጻሕ ንዝቐረበ መደብ ምስ ኤርትራ ኮይነን ክሕሰማ ዝጸንሓ ታንዛንያን ብሩንዲን ካብ 28 ሓምለ ኣትሒዘን ፍቓደኛታት ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ኮረቫ ቫይረስ ዝረኸበ ብዝሒ ህዝቢ እቲ 1.6% ጥራይ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

በዚ መዳይ እዚ ድሕሪት ተሪፋ ንዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንምሕጋዝ እቲ ውድብ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ብምዃን ኣማኢት ሚልዮናት ዶዝ ክታበት ናብ ኩለን ሃገራት እዛ ኣህጉር ንምብጻሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እንተኾነ፣ እዚ ብፍላይ ኣብ ሆስፒታላትን ካልእ ትካላት ጥዕናን ዝሰርሑን ሰብ ሞያ ሕክምናን፣ ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ክታበት ብቐዳምነት ክረኽቡ ዝዓለመ ናይ ኮቫክስ መደብ፣ ኤርትራ ብእትርከበን ሒደት ሃገራት ብቕልጡፍ ተቐባልነት ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ።

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፣ ክታበት ክሕሰማ ዝጸንሓ ታንዛንያን ብሩንዲን፣ ብዝሒ መልከፍትን ሞትን ክምዝግባ ድሕሪ ምጅማረን፣ ነቲ መደብ ከምዝተቐበልኦ ብወግዒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ኤርትራ፣ መዓልታዊ 10ታት ሰባት በቲ ቫይረስ ይልከፉ ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ክሳብ 31 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 6547 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ሞት 35 ሰባት ድማ ከምዝመዝገበ እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ድሩት ብቕዓት መርመራ ኮቪድ፣ ብዝሒ ግዳያት እዚ ለበዳ፣ ካብቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝምዝገብ ዘሎ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት።

እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክታበት ኮረና ቫይረስ ዝሕሰመሉ ዘሎ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ’ውን ኣይሃበሉን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0