ኣብ ኣዲስ ኣበባን መዓስከር ማይ ዓይንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ኣብ ኣዲስ ኣበባን መዓስከር ማይ ዓይንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 23 June 2016

Add

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ ካብ ከባቢ ገነት ሆቴል ተበጊሶም ዝተፈላለየ ጭርሖታት እናስምዑ ክሳብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘምርሑ’ውን ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ይእክል ባርነት፣ ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ኣልዒሎም።

 

Mai

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ”ውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ዓመት’ውን መርመሪት ኮሚሽን ጸብጻባ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ምውዳቦም ኣይርሳዕን። 

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0