ኣብ ኣዱስ ኣበባ ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ ሻቕሎት ይፈጥር

ኣብ ኣዱስ ኣበባ ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 22 October 2018

Addis fuel shortage

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ሻቕሎት ፈጢርሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ንምርግጋእ፣ ንእዋን ሓደጋ ካብ ዝኸዘኖ ዲፖታት ክዕድል ጀሚሩ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ብዝህቦ ዘለዎ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምኽንያታት ክህብዎ ይስምዑ ኣለዉ።

ዘ ሪፖርተር፣ ንኣካያዲ ስራሕ፣ ኣቕራቢ ነዳዲ ንዝኾነ ሃገራዊ ትካል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ እቲ ምኽንያት መንግስቲ ግቡእ ቁጽጽር ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ ወደብ ጅቡቲ ካብ ዝተራገፈሉ ኣትሒዙ ክሳብ ናብ ተጠቐምቲ ዝበጽሕ፣ ጽኑዕ ቁጽጽር ኣይጸንሖን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ፣ መንግስቲ ኣብ ምክፍፋሉ ብዕቱብ ክሕዞ ተማሕጺኖም።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምዝማድ፣ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓሰረ ምስ ምዃኑ፣ ብዘይምቁጽጻር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውሕዝ ነዳዲ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቆላሕታ ክህቦ ይጠልቡ።

ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ዋሕዲ ነዳዲ ተኸሲቱ ከምዘሎ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እቲ ምኽንያት፣ ኤርትራውያን ሰብ መካይን፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ጽዕነት መካይን፣ መካይኖም ምምላእ ጥራይ ዘይኮነ ብጀሪካናት ይጓርትዎ ምህላዎም ምዃኑ ይጠቀስ።

ስእሊ፣- ዘ ሪፖርተር

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0