ኣብ ኣንጎላ፣ ኣንጻር እቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለ ተላባዒ ሕማም ጎስጓስ ይካየድ

ኣብ ኣንጎላ፣ ኣንጻር እቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለ ተላባዒ ሕማም ጎስጓስ ይካየድ

Radio Erena: 04 February 2016

angola

ኣንጎላ፣ ኣንጻር እቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለ ሕማም ወይቦ (Yellow Fever) ጽዑቕ ጎስጓስ ጀሚራ።

እታ ሃገር ጠንቒ’ቲ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብሃንደበት ዝተላብዐን ኣብ ክሊ ዕድመ 22 ክሳብ 34 ዝርከቡ ኣስታት ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለን ሕማም ንምጽራይ፣ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር መጽናዕቲ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ እቲ ሕማም Yellow Fever ምዃኑ ዘረጋገጸት።

ክኢላታት ጥዕና ኣንጎላ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሉዋንዳ ድሕሪ ዘካየድዎ ዓውደ ዘተ ከኣ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣትወሉ ዝተፈላለየ መደባት ከምዝሓንጸጹ ማዕከን ዜና ኣንጎላ ፕረስ ሓቢሩ።

 

ሓደ ካብቲ መደባት፣ ህዝቢ ብዝዕባ’ቲ ሕማምን ናይ ምክልኻል ሜላታትን እኹል ኣፍልጦ ንኽህልዎ ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ ኮይኑ፣ ካብዚ ሰሙን እዚ ኣኣትሒዙ ይስርሓሉ ኣሎ።

ኣብቲ ብሚኒስተር ጥዕና ኣንጎላ ሆሴ ቫን ዱነም ተመሪሑ፣ ኣብ ከተማ ሉዋንዳ፣ ዞባ ቪያና ዝተበገሰ ጎስጓስ ኣንጻር ሕማም Yellow Fever፣ ኣስታት 100 ሚእቲ ተማሃሮ ሕክምና እታ ከተማ ክሳተፍዎ’ዮም።

ብሰንኪ እቲ ሕማም ከጋጥም ንዝጸንሐ ሞት ንምቁጽጻር፣ እ ሃገር ንህጹጽ እዋን ተዳልያ ከምዘላን ንክልተ ሽሕ ሰባት ከኣ ክታበት ክወሃብ ምዃኑን’ውን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣንጎላ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕማም ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ከይላባዕ’ውን መንግስቲ ኣንጎላ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር ይሰርሕ ምህላዉ ኣገሊጹ።

እዚ ኣብ ኣንጎላ ካብ መፋርቕ ዓመተ 2015 ኣትሒዙ ዝተራእየን ጠንቒ ከይተነጸረ ዝጸንሐ ሕማም፣ ኣብ ሓጺር እዋን ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ክቕተል እንከሎ ኤርራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 25 ከኣ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእዮም ጸብጻባት ካብ ኣንጎላ የመልክቱ።

እዚ ኣብ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ሻቕሎት ፈጢሩ ዝጸንሐ ሕማም፣ Yellow Fever ምዃኑ ስለዝተረጋገጸ፣ ካብን ናብን እዛ ሃገር ዝንቐሳቀሱ ኤርትራውያን፣ ኣንጻር እዚ ሕማም ክታበት ከምዝወሰዱ ምርግጋጽ ከምዘድሊ’ውን ክኢላታት ሕክምና ምኽሪ ይልግሱ።

Yellow Fever፣ ረስኒ፣ ቅርጥማት፣ ድኻም፣ ሸውሃት ምዕጻው፣ ሕማም ራሲ፣ ዕግርግር ምባልን ተምሳልን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘርኢ፣ ብቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ኮይኑ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከኣ ብጣንጡ ይመሓላለፍ።
=============================

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0