“ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ’ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ፣” ጸሓፊ ህግደፍ

“ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ’ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ፣” ጸሓፊ ህግደፍ

Radio Erena: 13 November 2017

Alamin

ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ’ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ ክብል ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ምግላጹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

ኣቶ ኣልኣሚን፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኣብ ናይ መዛዘሚ መደብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ብድፍኢት ካልኦት ሰባት ከምዝተበገሰ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኣብ ቁጽጽር ንኸእትዎ ደቓይቕ ከምዘይወሰደሉ’ዩ ጠቒሱ።

ኤርትራ፣ ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ ስርዓተ መንግስቲ’ያ እትኽተል ዝበለ ጸሓፊ ህግደፍ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ሃይማኖት ምልክታት ምልባስ ክልኩል ምዃኑ ገሊጹ።

ብዛዕባ ዝምድና ምስ ቀጠር ኣመልኪቱ ድማ፣ ቀጠር ንምንቅስቓስ ሕውነት ኣስላም ከምእትድግፍ ብምሕባር፣ ኤርትራ ምስታ ሃገር ዘለዋ ሕማቕ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

እንተኾነ ምእንቲ’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ምስ ቀጠር ዘሎ ዲፕሎማሲ ጠቕሊሉ ክብተኽ ከምዘይተደልየ ኣረዲኡ።

ኣቶ ኣልኣማኒን ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጸጥታ ሶማል ንምርግጋእ ምስ ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ኩሉኦም ንዕኡ ዝድግፉ ወገናት እታ ሃገርን ክተሓባበር ድሉው ከምዘሎ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ኣልሸባብ ግና ሽበራዊ ጉጅለ ስለዝኾነ ከምዝነጽጎ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ስትራቴጅያዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንኢራንን ቱርኪን ግና ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ባይታ ከምዘይህልወን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ቲ ንመሓደስቲ ፓስፖርትን ካልእን ብመንግስቲ ዝሕተትዎ ብዝሒ ገንዘብ ምስቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ሓዽ ናይ ናብራን ስራሕን ኩነታት ዘይቃዶ ምዃኑን ካልእን ዝብሉ ኣጀንዳታት ብዝልዓለ ክዝረበሉ ድልየት እኳ እንተነበሮም፣ ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተረኽበ ጸሓፊ ጉዳያት ህግደፍ ግና ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዜንት ተጻሒፍዎ ንዝመጸ ኣርእስታት ጥራይ’ዩ ኣድሂቡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ስራሕን ሓድሽ ሕግታቱን ስድራቤታቶም ናብ ሱዳን፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ከሰጋግሩ ይጽዕሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

በንጻር እዚ ድማ መንግስት ኤርትራ፣ ብዘይካቲ ኣብ ነፍሲ ወከል ክልተ ዓመት ዝኽፈል መሓደሲ ፓስፖርት ዝሕተትዎ ብዝሒ ገንዘብ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ደበስ ስውኣት፣ ምሳሕ ጀጋኑን ካልእን ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ከማርሩ’ዮም ዝስምዑ።

============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0