ኣብ ኣስመራ ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ክምለሱ የብሎምን ይብል

ኣብ ኣስመራ ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ክምለሱ የብሎምን ይብል

Radio Erena: 10 February 2015

Swiss

ብዛዕባ ስደት ኤርትራውያን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ካብ ክፍልታት ስደተኛታትን ፍትሕን ዝተዋጽአ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክትመልስ ዝብል ሓሳብ ብሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ስለዝተላዕለ’ዩ።

 

እቲ ልኡኽ ንጠንቒ ስደት ኤርትራንን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ክገጥሞም ንዝኽእል ጸገማትን ድሕሪ ምጽናዕን ምስ ሓያሎ ሰበ ስልጣንን መንግስቲ ኤርትራን ድሕሪ ምዝርራብን’ዩ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓሳቡ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ዘሎ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ብድምር ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ክህልዉ እንከለዉ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝነጸጎም ኤርትራውያን ተወሳኺ መጽናዕቲ ክሳብ ዝካየድ ብዝብል ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ’ዩ ዝህቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራዉያን ኣብ ሲዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝጠቕሳ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር’ውን፣ መንግስቲ ብዛዕባ’ዚ መግትኢ ተሳኢንሉ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራ ስደተኛታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ሓያሎ ፖለቲከናታት ክጽውዑ ምጽንሖም ኣመልኪተን።

ሓደ ካብቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝቀረበ ሓሳባት ከኣ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘይተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ምጥራዝ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ ዝተመልሰ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ንኤርትራውያን ናብ ዓዶም ምምላስ፣ ኣንጻ ሰብኣውነት’ዩ ክብል ደምዲሙ ኣሎ።

እቲ ብሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍሊ ፍትሒ ስዊዘርላንድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ንሳልስቲ ዝጸንሀ ዑደት፣ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ብመንግስቲ ኤርትራ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝክእሉ መደባትን ዝህሉ ለውጥን ብምትኳር’ውን ምስ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ኣፈኛ ክፍሊ ኢምግሬሽን ስዊዘርላንድ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ዝተኻየደ ርክባት፣ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ’ውን ተረኺቡ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ኣቐዲሙ’ውን ሓደ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ዴንማርክ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምዝርራቡ ይዝከር።

================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0