ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኣብ ምንዝርና ናይ ዝዋፈራ ብዝሒ ደቂንስትዮ ይውስኽ

ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኣብ ምንዝርና ናይ ዝዋፈራ ብዝሒ ደቂንስትዮ ይውስኽ

Radio Erena: 09 March 2016

Asmara nig

ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ብሰንኪ ዘሎ ማሕበረ- ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ምንዝርና ናይ ዝዋፈራ ደቂንስትዮ ብዝሒ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣብ ኣስመራ፣ ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ሓይሎ ጎደናታት ናይ ማእከል ከተማ ብዝሒ ዘለወን ደቂንስትዮ ንምንዝርና ተዋፊረን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት እዚ ድማ ብቐንዱ ውጽኢት ናይቲ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ- ቁጠባዊ ሕሰም’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብ ኣስመራ፣ ኣብቲ ብብዝሒ ባራት ዘለዎ ከባቢታት ንምንዝርና ዝዋፈራ ደቂንስትዮ ይርኣያ እኳ እንተነበራ፣ እዚ ሕጂ ገኒኑ ዘሎ ምንዝርና ግና ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ከይተረፈ ጸልዩ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

 

ነተን ኣብ ዑሙር ከባቢታት ኣስመራ ንምንዝርና ኣብ ጎደናታት ዝዋፈራ ደቂንስትዮ ንምብታን ፖሊስ ዝዋፈሩ እኳ እንተኾኑ፣ ነባሪ ፍታሕ ግና ብፖሊስ ብምህዳን ዘይኮነ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ስድራቤታት ንምስትኽኻል ጥጡሕ ዕድል ምፍጣር ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0