ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ገንዘብ ከዋጽኡ ይሕተቱ

Radio Erena: 12 April 2020
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክገብሩ ምሕታቱ፣ ኣብ ሓያሎ ዜጋታት ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት ገሊጾም።

ዝበዝሐ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ካብ ሕሱም ምሕደራ’ቲ ስርዓት ኣምሊጡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ዝሓተተሉ ሃገር፣ ተመሊሱ ምስቲ ዘሳደዶ ስርዓት ዝምድና ክገብር ንቡር ከምዘይኮነ እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ገሊጾም።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝገበሩዎ ምስጢራዊ ዘተ፣ ኤርትራውያን ዝነበሩዎ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ስደተኛ የለን ዝብል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ይካየድ ምስ ምህላዉ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ መዋጥር ኣትዮም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላውን ፈደራላዊን መንግስቲ ዘሎ ምፍሕፋሕ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ናይ ፖለቲካ መዋገዪ ገይሩዎም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0