ኣብ ኢትዮጵያ ክነጥፋ ዝጸንሓ 11 በርጌሳውያን ማሕበራት መርመራ ይካየደለን

Radio Erena: 18 August 2021

ኣብ ኢትዮጵያ ክነጥፋ ዝጸንሓ 11 በርጌሳውያን ማሕበራት መርመራ ይካየደለን ምህላዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ማሕበረሰብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ነዚ ዘፍለጠ፣ ናይ ዝመጽእ ዓመት ባጀት ንምጽዳቕ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እዩ።
ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣቶ ጂማ ዲልቦ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ስርሐን ደው ከብላ ዝተኣዘዛ ሰለስተ ማሕበራት ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፣ ካልኦት እውን ንጥፈታተን ከየካዪዳ እገዳ ዝብየነለን ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።
እተን ተኣጊደን ዝበሃላ ዘለዋ ትካላት ግብረሰናይ፣ ሬድዮታትን ካልእ ናይ መራኸቢ መሳርሒታትን ሒዘን ስለዝተረኽባ’የን ኢሉ። ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይተዋህቦም ወጻእተኛታት፣ ናብ ኢትዮጵያ እንዳእተዋ የንቀሳቕሶም ከምዘለዋ ዝሕብር መልእኽታት ስለዝመጻና፣ ጉዳየን ክሳብ ዝጻረይ ክዕሸጋ ኣዚዝና ክብል’ዩ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፣ ንሓይልታት ትግራይ ሓጊዝኩም ብዝብል ክሲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ትካላት ግብረሰናይን ውልቀሰባትን ናይ ምዕሻግን ምእሳርን ስጉምቲ ከምዝወሰደ በብእዋኑ ከፍልጥ ጸኒሑ’ዩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0