ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ተኻዩዱ

Radio Erena: 23 June 2019
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየደ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

መንግስታውያን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዘቃለሖኦ ሓበሬታ፣ ኣብ ባህርዳር ዝመደበሩ እቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ሓቢረን።

ወሃብ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣቐዲሙ ዝተወደበ ምንባሩን፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ከምዝፈሸለን ሓቢሩ።

ከተማ ባህርዳር ቀዳም ምሸት ከቢድ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከምዝመስከረት ዝገለጹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ህዝባዊ መጎዓዝያን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ንግዚኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ ገሊጾም።

ናይቲ ፈተነ ዕልዋ ወግዓዊ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል ብዝነበረ ብርጌደር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ዝተመርሐ ምንባሩ፣ ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገለጸሉ፣ ኣብ ኣኼባ እንከለዉ ብገዛእ መሳርሕቶም መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከተማ ባህርዳር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ፈደራላዊ ሰራዊት ኣትያ ከምዘላ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0