“ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 35 ሽሕ ህጻናት ብዓጸቦ ተጠቒዖም፣” ሕ/ሃ

“ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 35 ሽሕ ህጻናት ብዓጸቦ ተጠቒዖም፣” ሕ/ሃ

Radio Erena: 05 November 2015

Chil

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓጸቦ ህጻናት ተኸሲቱ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ 2 ሕዳር 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምጥቃሱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ’ውን ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ብውሕዱ 8 ሚልዮን ካብ ህዝባ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮ ኣፍሊጣ’ያ።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቦ ገምጋም ከኣ፣ ብሰንኪ ዓጸቦን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ናብ ሆስፒታል ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ህጻናት ብዝሒ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2015 ጥራይ፣ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 35 ሽሕ ህጻናት ከምዝተመዝገቡ’ውን ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምምልካት ሮይተርስ ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ዝስተ ማይ ንምርካብ ክሳብ ደቂንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም ክሳብ 30 ኪሎሜተር ይጓዓዙ ምህላዉም ዝሓበረ መግለጺ እቲ ውድብ፣ ኣብ ጉዕዝኦም ሞት ጥሪት የጋጥም ምህላዉ’ውን ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ’ውን፣ ህዝቢ ፈቐድኡ ንዝረኸቦ ንጽህንኡ ዘይተረጋገጸ ዕቋር ማያ ይሰቲ ስለዘሎ፣ ግዳይ ተላባዒ ሕማማት ከምዝኾነ ዘ ሪፖረትር ካብ ኣዲስ ኣበባ የመልክት።

እዞም ብከቢድ ዓጸቦ ተጠቒዖም ዘለዉ ህጻናት፣ ብዝቐልጠፈ ፍወሳን መግብን እንተዘይረኺቦም፣ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የረድእ።

ዛጊት ተረጋጊጹ ከምዘሎ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ማለት ኣብ ዓፈር፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያን፣ ሶማልን’ዩ።

ለገስቲ ሃገራት፣ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ከምዘየርኣያ ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ‘ኤል ኒኖ’ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ኣብ፣ ኢትዮጵያ ጥራት ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0