ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝርክከብ መዓስከራት ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኸሱሱ ኤርትራውያን እቶም ሽዱሽተ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝርክከብ መዓስከራት ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኸሱሱ ኤርትራውያን እቶም ሽዱሽተ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: January 20, 2014

 

eri refu in Ethio

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሉም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራብ፣ እቶም ሽዱሽተ ነፍሲ ወከፎም ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን 2 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ተበይንሎም።

እቶም ንክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩ ከምኡ ድማ 2 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ተበይንሎም ዘሎ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማይ ጸብሪ ኣብ ዝርከብ ቤት መእሰርቲ ተቀይዶም ዝጸንሑ ኮይኖም ብምሉኦም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ’ዮም።

 

እቶም ኣብ ማይ ዓይኒ ንዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ተቀይዶም ዝርከቡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ድማ፣ ጽባሕ ሮቡዕ ፍርዲ ክወሃቦም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ሓደ ሰብ ዝተቐትለሉን ሓያሎ ድማ ዝቖሰልሉን፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ንኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ዘይሕጋዊ ኣኼባን ሰልፍን ብምውዳቦምን ብሰንኩ ድማ ናይ ልዕሊ 125 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ብዕናዩ’ንዮም ተኸሲሶም።

እንተኾነ እቶም ኤርትራውያን፣ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ነቲ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ብኣመሓደርቲ ዝገጥሞም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምቅዋም እንተዘይኮይኑ፣ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሂብዎም ዘሎ ዑቕባ ይኹን ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘይብሎም’ዮም ዘረድኡ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0