“ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣማኢት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።”

Radio Erena: 31 August 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ሰባት’ውን ከቢድን ፈኵስን መጉዳእቲ በጺሕዎም ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ካብ 18 ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ኣብ ከባቢታት ጊዳ ክራሙ፣ ቂልጦ ኣቦ፣ ኣጋሳ ኣቦ፣ ኣሹ ኩሳያን ዝተፈላለየ መጥቃዕታት ከምዝተኻየደ’ዩ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን፣ ኣብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ናብ ካልእ ቦታ ድሕሪ ምስሓቦም፣ ብሸኔ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብዘካየዶ መጥቃዕታት’ዩ እቲ ቅትለትን ምፍንቓልን ስዒቡ።

ኣብቲ ከባቢ ሓያሎ ኣባይቲ ኮነ ተባሂሉ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ቀንዲ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ተወላዶ ኣምሓራ’ዮም ክብል’ውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ወቒሱ።

ንናጽነት ኦሮሞ ከምዝቓለስ ዝገልጽ ‘ኦነግ ሸኔ’ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕታት ከምዘየካይድን፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ስዕረት ዝወረዶ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጸለመ ዝፍንዎ ፕሮፖጋንዳን ምዃኑን ብተደጋጋሚ ምላሽ ክህብ ይስማዕ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሚሊሻታትንን ፍሉያት ሓይልታት ዝተፈላለያ ክልላትን፣ ናብ ኵናት ትግራይ የዋፍሮም ብምህላዉ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ተደጋጋሚ እዋን ጸጥታ ናይ ምፍራስ ኩነታት ይርአ ከምዘሎ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0