UPDATED: ብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያክ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ልዕሊኦምን ቤተ ክርስትያንን ዝወረድ ዘሎ ግፍዕታት ብዝርዝር ገሊጾም

Radio Erena: 19 September 2019

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ መልእኽቲ ናብ ህብዚ ኣመሓላሊፎም።

ፓትርያርክ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣብቲ ብመንገዲ፣ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ዘመሓላለፍዎ ተኸታታሊ መልእኽታት፣ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያንን ንዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕታት ብዝርዝር ዝገልጽ’ዩ።

ብስም ሲኖዶስ፣ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቖፉ ጳጳሳት ህግደፍ፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብሓይልታት ጸጥታ ተሰንዮም፣ ናይ ፈላሲ ክዳውንቶም፣ ልብሲ ክህነቶምን ቆብዕን መስቀልን ዝርከቦ ማዕረግ ፓትርያርክን ኣብ ምግፋፍ ይኹን፣ ካልእ ግፍዕታት ኣብ ምፍጻም ከምዝተሳተፉ’ውን ኣቃሊዖም።

ይኹን’ምበር ብህወይቶም እንከለዉ ካብ ሰንበቶም ተገፊሱ ዝተወሰደ ክዳውንቲ፣ ቆብዕን መስቀልን ፓትርያርክ፣ ነቶም ካብ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣእምርኦምን ክሳብ ምስሓትን ካልእ ከቢድ ሕማምን ብምስዓብ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣዘኻኺሮም።

ሞት ናይዞም ብህግደፍን ሰዓብቶም ጳጳሳትን ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቖሮስ፣ ነቶም ካልኦት ጳጳሳት ናብ ንስሓ ኣብ ክንዲ ዘምጽኦም ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጠንዮስ እታ ቤተ ክርስትያንን ተወሳኺ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘሉ’ዮም ዝተፈላለዩ ምእመናን ዝጠቕሱ።

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ግፍዕታት፣ ጳጳሳት ህግደፍ፣ ብስም ዕርቂን ሰላምን፣ ካልእ ሽርሒ ክኣልሙ ከምዝፈተኑ’ውን ኣብቲ ንልዕሊ 35 ደቓይቕ ዝኸደ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣቡነ እንጠንዮስ ብዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ።

https://www.tewahdo.org/

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0