ኣብ ትግራይ፣ ኩሎም ሓይልታት ገበናት ኵናት ፈጺሞም ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 04 November 2021
ኣብ ትግራይ ኵናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፣ ገበናት ኵናት ፈጺሞም ዝብል እምነት ከምዘለዎ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብኮሚሽነር ሚቸል ባቸለት ተመሪሑ ብ3 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዘዳለውዎ መጽናዕቲ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ከባቢ ማይካድራ፣ ብጉጅለ ተጋሩን ዕጡቓት ኣምሓራን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘስካሕክሕ ቅትለት፣ ዓመጽ፣ ራስያን ምዕናው ከም ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትርን ዝኣመሰለ ህዝባዊ ትካላትን ንብረትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ገበናት ከምዝተፈጸመ ዘርዚሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብቲ ኵናት ብምሉእ ሓይሉ ዝተሳተፈ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብ ኣኽሱምን ካልእ ክበጽሖ ዝኸኣለ ከባቢታትን፣ ልዕሊ 100 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለን፣ ንብረት ሰለማዊ ህዝቢ ድማ ከምዝዘመተን ተመልኪቱ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ብኣልማማ ምቕታል ሰለማውያን ሰባትን ምዕማጽ ደቂንስትዮን ዝኣመሰለ ገበናት ኵናት ምፍጻሙ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኵናት ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር ኣብ ዝጀመረሉ፣ ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሚሊሻታት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝፈጸምዎ ዝተፈላለየ ግፍዕታት፣ ገበናት ኵናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ከይኮኑ ብጻና ኣካል ክጻረ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክጠልብ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ገበናት’ውን ኣካል እቲ ዝካየድ ምጽራይ ክኸውን ይሕተት።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0