ኣብ ትግራይ፣ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃለዋቶም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 02 February 2021

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከባ መዓስከራት ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ሃለዋቶም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ነዚ ዘረጋገጸ፣ ድሕሪ’ቲ ብኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪሉ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዑደት ምክያዱ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ፣ ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ ነቲ ንኮሚሽነር ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተገለጸሉ፣ እቲ ኮሚሽነር ብወገኑ ናብቲ ከቢድ ዕንወት ዝወረዶ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ግና ክበጽሕ ከምዘይክኣለ’ዩ ኣመልኪቱ።

ኣብዘን ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ተበታቲኖም ናበይ ከምዘበሉ ዛጊት ንምርግጋጹ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ገሊኦም ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝሃሸ ጸጥታ ዝነበረን መዓስከራትን ክዕቆቡ እንከለዉ፣ ብሰራዊት ኤርትራ ተጨውዮም ዝተወስዱ ከምዘለው’ውን ይግለጽ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብዘን ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቝበን ዝጸንሓ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸይበጽሕ መሰናኽል ይፈጥር ምህላዩ ይውቀስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0