‘ኣብ ትግራይ፣ ንልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ረዲኤት ተኸፋፊሉ።’ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 16 January 2023

ኣብ ትግራይ፣ ኣብዚ ኣስታት ወርሒን ፈረቓን ንልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ረዲኤት ክበጻጻሕ ምኽኣሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ውድብ፣ ስቴፋን ዱጃሪች፣ ብ13 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ ድሕሪ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ረዲኤት ዝጸዓና ልዕሊ 3 ሽሕ ዓበይቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ኣረጋጊጹ።

መብዛሕቱ እቲ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ኣስታት 105 ሽሕ ቶን ረዲኤት፣ መሰረታዊ መግብታት ኮይኑ፣ ናዊቲ ሕክምና’ውን ይርከቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ንህጹጽ ጠለብ ዘገልግል መድሃኒታትን መኣዛዊ መግብታትን ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን የብጽሑ ምህላዉ ይገልጽ።

እንተኾነ፣ ኣብ ሰሜናዊ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሓደ ከባቢት ግና ረዲኤት ከብጽሕ ከምዘይክኣለ ስቴፋን ዱጃሪች ጠቒሱ።

መብዛሕቱ እቲ ረዲኤት ክበጽሖ ዘይክኣለ ሰሜናዊ ከባቢታት ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሽረን ከባቢኡን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ናብ ቦትኡ ከምዝተመልሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ሽረን ከብቢኡን ብዝምልክተ ብወገን ሰበ ስልጣን ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0