ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ተቓውሞ ይገጥሞም

ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ተቓውሞ ይገጥሞም

Radio Erena: 30 October 2018

tewahdo churchኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየደዎ ዑደት ተቓውሞታት ገጢምዎም።

እቶም ብኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ጨርሎስን ዝተመርሑ ጳጳሳት፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ሆላንድን ኖርወን ኣብ ዝርከባ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፣ ኣቦና ፓትርያርክ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣበይ ኣለዉ? ንስኻትኩም መሳርሒ ህግደፍ ኮይንኩም ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣሕሊፍኩም ሂብኩሞም፣ ንቤተክርስትያን ሸይጥኩማ ዝብልን ካልእን ተቓውሞታት ከምዘስምዑ’ዩ ካብቲ ከባቢታት ዝበጽሕእና ሓበሬታ ዘረጋግጽ።

መብዛሕቱ እቲ ተቓውሞታት ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተላዕለ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ገሊኡ’ውን ኣብ መንጎ ቅዳሴ ደው ክብል ከምዝተቓወሙ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ወርሓት’ዚ ብጳጳሳት ዝእወጅ ዘሎ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ይጸውዑ ዝብል ጠለብ፣ ሕዝቢ ንምሽፋጥን ሓቂ ንምኽዋልን ዝግበር ዘሎ፥ ናይቲ ዝሓለፈ ውዲትን ተንኮልን መቐጸልታ’ዩ ክብል መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ገሊጹ።

እቲ መንበረ ጵጵስና ኣብ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬትኡ tewahdo.org ኣብ ዝዘርግሖ ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብሓይሊ-ጎነጽ መንግስትን ምትሕብባር ውሑዳት ጳጳሳትን፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ንልዕሊ 13 ዓመታት ካብ መንበሮም ተኣልዮም ከምዝርከቡ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ እዚ ዘስዓቦ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት፥ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ኣመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምብታንን ፍኑውነት ምሕደራን ብቐሊሉ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።

ፍጹም ዕርቂ ተገይሩ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ካብ ሓምለ 2016 ንደሓር ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ከይተረፈ ስም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጊዜ ጸሎት ክዝክራኦም ከምዝጀመራ ዝጠቐሰ እቲ መልእኽቲ፣ ኣፎም መሊኦም ኣቡነ እንጦንጦስ መናፍቕ እዮም ዝበሉ ዝነበሩ ጳጳስ ኣባ ሉቃስ ከይተረፉ ኣብ እስራኤልን ኤውሮጳን ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኩሉ ጸሎታት ብፓትርያርክ ደረጃ ክጽውዕዎም ኣውጆም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

tewahdo church2

እዚ ይኹን’ምበር፣ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦዮስ ኣብ መንበሮም ከምዘይተመልሱን ንቤተክርስቲያን ይመርሕዋ ከምዘየለንው እቲ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ብ25 ጥቅምቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብዘይካ’ዚ፣ “ኣቡነ እንጠንዮስ፣ መንበሪ ቦታ ደኣ ቀይሮም እምበር ቁርባን ኣይቆርቡ ቡራኬ ኣይህቡን፣ እዚ ኩሉ ዓመታት ብሓይሊ ተኸልኪሎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ይርከቡ።” ይብል

ኣብ መወዳእታ ኣቦታት ካህናት፥ ኣሓው ዲያቆናት፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ፈተውትን፥ ቤተ ክርስቲያን ብሕጊ ክትመሓደር፥ ዝተነብረ ውግዘት ክለዓል፥ ሰላምን ዕርቅን ክእወጅ፥ ሰብን እግዚኣብሔርን ክሕጎስ፥ ሃገር ክባረኽ፥ ኩላትና ብሓደ ቃልን ብሓደ ድምጺን ኮይንና ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ይመለሱ ክንብል ጸዋዒትና ነቕርብ ብምባል፣ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን መልእኽቱ ይዛዝም።     ኣብ መደምደምታ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገር ሰላም ኮይኑ ምስ ጉረባብትና ሰላም ኮይኑ እናተባህለ ዝዝረብ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያንና ዘየለ ሰላም፥ ኣብ ሃገር ሰላም ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ሓቀኛ ሰላም ኣብ ቤት ከምዝጅምር ኣስሚርሉ።

==================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0