ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፣ ንመጀመርያ እዋን ልዕሊ 5 ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክ ክወዳደራ’የን

Radio Erena: 15 June 2021

ብዝሒ ናይተን ንኤርትራ ብምውካል፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝወዳደራ ኤርትራውያን ኣትሌታት ደቂንስትዮ ሓሙሽተ በጺሑ።

ኣትሌታት፡ ራሄል ዳንኤልን ዶልሺ ተስፉይን፣ ብሰሉስ 8 ሰነ፣ ኣብ ኔዘላንድስ፣ ሄንጌሎ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድማት ጉዳያ እግሪ፣ ናብ ኦሎምፒክ ዘእትወን መምዘኒ ድሕሪ ምርካበን’ዩ፣ ብዝሒ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፋ ደቂንስትዮ ናብ ሓሙሽተ ዓሪጉ።

ኣቐዲመን ኣትሌታት ወይኒ ቐላቲ፡ ናዝሬት ወልዱን ኮኾብ ተስፋጋብርን ዝርከብኦም 8 ኣትሌታት፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ንኤርትራ ወኪሎም፡ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣትለቲክስ፡ ክሳተፉ ምዃኖም ተሓቢሩ’ዩ።

ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ ድማ 5 ደቂንስትዮን 5 ደቂተባዕትዮን፣ ብጠቕላላ 10 ኤርትራውያን፣ ንኤርትራ ብምውካል፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ፣ ኣብ ናይ ማራቶን፣ 10 ሽሕ ሜትሮን 5 ሽሕ ሜትሮን ብ ቅድድም ጉያ እግሪ ክወዳደሩ’ዮም።

ኤርትራውያን ደቂ’ንስትዮ ኣትሌታት ብኸም’ዚ መልክዕ ብብዝሒ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ክወዳደራ፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ፈለማ ፍጻሜ ክኸውን’ዩ።

ኣብ’ቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ መበል 32 ውድድር ኦሊምፒክ፣ ሞሳና ደበሳይ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፣ ካልኦት ሰለስተ ድማ ምስ ንካልኦት ሃገራትን ጋንታ ስደተኛታትን ዝወከላ ብውሕዱ ኣርባዕተ ተወስኸቲ ደቂንስትዮ ኣትለታት ክህልዋ’የን።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ኤርትራ፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ብሽክለታን ምሕንባስን፣ ብሓፈሻ ብልዕሊ 13 ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ክትውከል’ያ።

==================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0