ኣብ ብሪጣንያ፣ ንጓል 21 ዓመት መንእሰይ ዝዓመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ን10 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

ኣብ ብሪጣንያ፣ ንጓል 21 ዓመት መንእሰይ ዝዓመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ን10 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 13 January 2016

mebrahtom

ኣብ ብሪጣንያ፣ ከተማ ሊቨርፑል፣ ንጓል 21 ዓመት መንእሰይ ዝዓመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ን10 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ መብራህቶም ኣብርሃ ዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ነታ መንእሰይ ኣብ ማእከል ከተማ ሊቨርፑል ብ ፓርክ እናሓለፈት እንከላ ን10 ደቓይቕ ዝኣከል ድሕሪ ምክትታሉ፣ ተጸናትዩ ኣብ ጽምዋ ከምዝዓመጻ ንቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ሓቢረን።

እታ ምሉእ መንነታ ዘይተሓበረት መንእሰይ፣ ድሕሪ’ቲ ዝበጽሓ ጾታዊ ዓመጽ ስነ-ኣምእሮእውንፍርሒን ሕፍረትን ስለዝተሰምዓ ማሕበራዊ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ።

 

ቤት ፍርዲ’ውን ነቲ ኩነታት ብናይ ጎደና ካሜራ ተሰንዩ ድሕሪ ዘካየዶ ምጽራይ፣ መብራህቶም ነታ መንእሰይ ድሕሪ ምዕማጽ፣ ኣካላውን ስነ ኣምሮኣውን ጉድኣት ኣስዒቡ ክሃድም ከምዝፈተነ’ዩ ደምዲሙ።

መብራህቶም ብ19 ሓምለ 2015 ኣብ ልዕሊ እታ መንእሰይ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምፍጻም፣ ካብ ከተማ ሊቨርፑል ሃዲሙ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም’ዩ ክሕባእ ፈቲኑ።

እንተኾነ እቲ ፍጻሜ ኣብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ መደብ ኣተኩሮ ኣብ ገበን- ቢቢሲ ክራይምዋች ድሕሪ ምቕራቡ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ብፖሊስ ተታሒዙ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረእ ጸኒሑ።

ቤት ፍርዲ ከተማ ሊቨርፑል ነቲ ገበን ድሕሪ ምጽራይ ድማ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ብሪጣንያ መብራህቶም ኣብርሃ ንን10 ዓመታት ክእሰር ወሲኑ።

ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ 2014 ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦ መብራህቶም ኣብርሃ፣ ብመንገዲ ጠበቕኡ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ ብዝገበሮ ዓመጽ ከምዝተጣዕሰ ሓቢሩ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0