‘’ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞ ምርዳእ፣ ኣህጉራዊ ሕጊ’ዩ’’ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 03 July 2019

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዘጋጠሞም ንዘድሕኑ ብገበን ምሕታት ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ ውድብ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ንጀርመናዊት ካፕቴን ብገበን ሓቲቱ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምእታዉ እዩ።

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ኣብ ወደባቱ ከይትጽጋዕ ድሕሪ ምኽልካሉ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ንካፕቴን ካሮላ ራኬት ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክበጽሕ ብዝኽእል ገበን እዩ ዝሓታ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ብወገኑ፣ ዜግኡ ዝኾነት እታ ካፕቴን፣ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ዜጋ ክገብሮ ዝኽእል ናይ ህይወት ኣድሕን ስጉምቲ ደኣ እያ ወሲዳ እምበር ብገበን ትሕተተሉ ስለዘይኮነ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ብዘይወዓል ሕደር ናጻ ክሰዳ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።

ኣብ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ነቲ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማተዮ ሳልቪኒ፣ እታ ካፕቴን ብዘይፍቓድ ልዑላውነት ኢጣልያ ጥሒሳ ስለዝኣተወት ግቡእ ፍርዳ ክትወሃብ ኣለዋ ክብል’ዩ ምላሽ ሂቡ።

እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ሰብ ምርዳእ ንኣማኢት ዓመታት ዝጸንሐ ባህሊ ሙዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ማያት እውን ሙዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ምስቲ ካፕቴን ካሮላ ራኬት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝሰማምዑ ሓያሎ ኤውሮጳውያን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ኣዋጺኦምላ ኣለዉ።

ሃገራት ኤውሮጳ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ምውሓድ ዘማምዓ እኳ እንተኾና፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዘውጸኦ ዘሎ ተኸታታሊ ፖሊሲታት ግና ኣብ መንጎ ኣባላቱ ክትዕ ኣልዒሉ ከምዘሎን፣ ንክብሪታት ባህሊ ምትሕግጋዝን ሰብኣውነትን ዝግህስ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ተቓውሞታቶም የስምዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0