ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘጋጠመ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ መጠንቐቕታ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘጋጠመ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ መጠንቐቕታ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 November, 2014

CamIsu

ኣብ ቡርኪናፋሶ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ዝፈንቐለ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ብምልኪ ንዝመሓደራ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ መጠንቐቕታ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ካብ 1987 ኣትሒዙ ንቡርኪናፋሶ ብምልኪ ክምርሓ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ብለኢዝ ካምፓኦረ፣ ኣብ ናይ 27 ዓመት ዘመነ ስልጣኑ ሰለማዊ ምስግጋር ስልጣነ ከተኣታቱ ብዘይምኽኣሉ፣ ብህዝባዊ ናዕቢ ብጎነጽ ክእለ ከምዝተገደደ ዘመልከቱ እቶም ተንተንቲ፣ እቶም ን10ታት ዓመታት ስልጣን ብሒቶም ዘለዉ ካልኦት መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ፣ ተመሳሳሊ ዕጫ ክበጽሖም ከምዝኽእል ኣሚቶም።

 

ፕረዚደንት ካምፓኦረ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ፕረዚደንት ኮይኑ ንምቕጻል ዘኽእሎ ሓድሽ ቅዋም ብምንዳፍ፣ ናይ ምርጫ መደባት ንምትግባር እናሰርሐ እንከሎ’ዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ክልተ መዓልቲ ካብ ስልጣኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ምስቲ ለውጢ ዝጠለበ ህዝቢ ብምውጋን፣ ፕረዚደንት ካምፓኦረ ስልጣኑ ንምዕቓብ ከጥፍኦ ዝኽእል ንዝነበረ ህይወት ህዝቢ ከድሕን ምኽኣሉ’ውን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ረኺቡ’ዩ።

እንተኾነ ከም መሰጋገሪ መራሒ እታ ሃገር ብግዜያውነት ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሰር መብዛሕቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽታል ምልካዊ መንግስቲ ከየቕውም ስግኣት ኣሎ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መብዛሕቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሕጋውን ሰለማውን መንገዲ ስልጣን ዝሰጋገረሉ መስርሕን ባይታን ከንጽፉ ስለዘይመርጹ፣ ካብ ስልጣን ዝእለይሉ እንኮ መንገዲ ሞት ወይ ከኣ ጎነጽ ጥራይ ምዃኑ ናይ ፕረዚደንታት ሊብያ፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ኣይቮሪኮስን ከም ናይ ቀረባ ኣብነት ክጠቐስ ዝኽእል ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘጋጠመ ህዝባዊ ናዕቢ ነዞም ብምልኪ ዘመሓድሩ መራሕቲ ኣፍሪቃ መጠንቐቕታ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ የመልክቱ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0