ኣብ ሽወደን ዝምቕማጣ ኤርትራዊት ቬነሳ በረሀ ዘዳለወታ ዋን ደይ ስዩም ዘርእስታ ሓጻር ደኩመንታሪ ፊልም ንሽልማት በቒዓ

ኣብ ሽወደን ዝምቕማጣ ኤርትራዊት ቬነሳ በረሀ ዘዳለወታ ‘ዋን ደይ ስዩም’ ዘርእስታ ሕዳር ደኩመንታሪ ፊልም ኣብታ ሃገር ብማሕበር ኣሕተምቲ ፓብሊሲስት ክሉበን ንዝወሃብ ንሽልማት በቒዓ።

 

ኣብ ሽወደን ዝተወልደት ጓል 17 ዓመት ቬነሳ በረሀ፣ ጓል ሓብቱ ነቲ ብሰኣላይ ተጋዳላይ ዝፍለጥ ስዮም ጸሃየ ኮይና፣ እታ ዘዳለወታ ሓጻር ደኩመንታሪ ፊልም ድማ ንዝኽሪ እቲ ምስ ብጾቱ ን12 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ስዮም ጸሃየ ዘዳለወታ’ያ።

ቬነሳ በርሀ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ፣ ነዛ ንዝኽሪ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ዘዳለወታ ፊልም፣ ነቲ ንሳ ዝዓበየትሉ መሰልን ዴሞክራስን ዘለዎ ሃዋሁ ክረክብ ዕድል ንዘይክኣለ ህዝቢ ኤርትራ፣ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ’ዛ ፊልም ንህዝቢ ዓለም ንምቅላሕ ምዃኑ ገሊጻ።

እታ ድሮ ኣብ ዩቱብ ተዘርጊሓ ዘላ ‘ዋን ደይ ስዮም’ ሓጻር ደኩመንታሪ ፊልም ኣብ ሽወደንን ካልእ ክፋል ዓለምን ልዑል ተቐባልነት ረኺባ ምህዋላ እቲ ረኺባቶ ዘላ ሽልማት ሓደ መርኣያ’ዩ።

ቬነሳ በረሀ፣ ብዘይካ’ዛ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዘርጊሓታ ዘላ ደኩምንታሪ ፊልም፣ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ዋን ደይ ስዩም.ኮም ዝብል መርበብ ሓበሬታ’ውን ከፊታ ምህላዋ ትሕብር።

ክቡራት ሰማዕትና ንዝያዳ ሓበሬታ ቬነሳ በረሀ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ድሕሪ ዜና ኣብ ዘሎ መደብ መስኮት ኢንተርነት ክቐረብ’ዩ።
==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0