ኣብ ሶማል፣ ወደብ ኪስማዮ፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 9 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 October 2022

ኣብ ደቡባዊ ሶማል ኣብ እትርከብ፣ ዞባ ጁባላንድ፣ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ጠበናጁን ተፈንጃሪን ዝዓጠቑ ኣርባዕተ ሰባት፣ ብ23 ጥቅምቲ ናብቲ ሆቴል ብምእታው፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ሰበ ስልጣን ናይቲ ዞባ ገሊጾም።

ሰለስተ ካብቶም ዕጡቓት ብፖሊስ ከምዝተቐትሉ ሚኒስተር ጸጥታ፣ ዮሱፍ ሑሰን ዱማል ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

እቲ ራብዓይ ዕጡቕ ድማ፣ ብቦምብ ተፈንጂሩ ከምዝሞተ ‘ዩ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ናብቲ ሆቴል ምእታዎም፣ ነታጕ ዝመልአት መኪና ኣብ ኣፍደጊኡ ከምትፍንጀር’ዮም ጌሮም።

እቲ ሆቴል፣ ጥቓ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ፣ በቲ ምፍንጃር ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝርከብዎም 47 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።

ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ዘረጋገጸ ኣልሸባብ፣ ዒላምኡ ኣብቲ ተወከል ዝተባህለ ሆቴል ኮይኖም ንዝሰርሑ ሰበ ስልጣን ዞባ ጁባላንድ ምንባሮም ሓቢሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0