ኣብ ሶማል፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምፍንጃሩ ብዉሑዱ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምፍንጃሩ ብዉሑዱ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

Radio Erena: 08 March 2019

somal

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምፍንጃሩ ብዉሑዱ 4 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ሺን ሁ ዋ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ብረቡዕ 7 መጋቢት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምብ፣ ካብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ዝርከብ ቤት መግቢ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ካልኦት መካይን እውን በቲ ባርዕ ብምልካመን፣ 7 ሰባት ብከቢድን ፎኪስን ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ኣለዉ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ኣልሸባብ ወሲዱሉ ኣሎ። ነቲ ዕሙር ከባቢ ዝመረጸሉ ምኽንያት፣ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ፕረዚደንት ዝወስድ መንገዲ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቑጣ ንዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምጥቃዕ ዝዓለመ ምንባሩ ይገልጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣልሸባብ ካብታ ሃገር ተጸሪጉ ክወጽእ ሒደት ንቑጣታት ጥራይ እየን ተሪፈንኦ ክብል እኳ እንተሓበረ፣ እቲ ጥሩፍ ጉጅለ፣ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0