ኣብ ስጵኛ ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ኣህጉር ናይ ምቑራጽ ቅድድም ጉያ እግሪ ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጸጋይ ተዓዊቱ

ኣብ ስጵኛ ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ኣህጉር ናይ ምቑራጽ ቅድድም ጉያ እግሪ ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጸጋይ ተዓዊቱ

Radio Erena: February 3, 2014

Samuel

ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጸጋይ፣ ትማሊ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ኣህጉር ናይ ምቁራጽ ቅድድም ጉያ እግሪ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ከምዝዓተረ ማዕከናት ዜና ስፖርት ኤውሮጳ ሓቢረን።

ኣብቲ ኣስታት 2500 ምኩራትን ኣማተርን ኣትለታት ዝተሳተፍዎ ንከተማ ቫላዶሊድ ናይ ስጳኛ ብምስንጣቕ ዝተኻየደ ኣህጉራ ናይ ምቑራጽ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጸጋን ብልዑል ብቕዓት ብምምራሕ’ዩ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ካብ ደቂንስትዮ ድማ ኢትዮጵያዊት ማርታ ጽጋቡ ቀዳመይቲ ኮይኑ ብምዕዋት፣ ተሸላሚት ወርቂ ማዳልያ ኮይና።

 

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0